Church Bylaw Summary in Tigrinya

ሳክራሜንቶ ቤ.ክ.

መማሓዳደሪ ቅዋም ብሓጺሩ

  1. ተልእኾ ቤተክርስትያን

ብሕብረት ንኣምላኽ ብምምላኽ ንክርስቶስ ዝመስል ህይወት ብምንባር ብምግልጋልን ብቓልን ብግብርን ሰዓቢ ክርስቶስ ብምዃን ወንጌል መንግቲ ኣምላኽ ምዝርጋሕ።

 

  • ዮሃ 4፡23-24፤ ግብ 4፡6፤ ኤፌ 1፡4-6,11-12፤ ኤፌ 5፡19፤ እብ 13፡15
  • ማቴ 28፡19
  • 1ዮሃ 1፡7፤ ግብ 2፡ 38-39, 44-47፤ እብ 10፡23-25፤ ሮሜ 15፡ 5-7, 25-27፤ 1ቆሮ 16፡16፤ ገላ 6፡10፤ ዮሃ 13፡34-35፤ 1ጢሞ 5፡6፤ እብ 13፡ 1-2፤ 1ተሰ 5፡12-13
  • ኤፌ 4፡11-15፤ 1ተሰ 5፡11፤ 1ጢም 2፡2፤ እብ 10፡25-28፤ 1ጴጥ 2፡9፤ ቲቶ 2፡ 11-14
  • 1ቆሮ 16፡16፤ ማቴ 25፡ 34-40፤ 1ተሰ 5፡ 12-13፤ ገላ 5፡ 13

 

  1. ኣባልነት

“ኣብ ኩሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም፡ እግዚኣብሄር ድማ ዝድሕኑ ነፍሳት ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይወስኽ ነበረ፡” ግብ 2.47 ከምዝብል ማሕበር ኣምላኽ ወጺኣ ክርስቶስ ምስ ሰበኸት፡ ንፍሳት ዲሒኖም ናብ ማሕበር ከም ዝውሰኹ ንኣምን።

 

ኣቀባብላ፤

 

  1. ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ብሕቲ መድሓኒኡን ጎይታኡን ገይሩ ተቐቢሉ ዳግም ከም ዝተወለደ ዝኣምን።
  2. ብሕይወቱን መነባብርኡን እሙን ምስክር ክርስቶስ ዝኾነ።
  3. ድሕሪ ምእማኑ ስነ ስርዓት ማይ ጥምቀት ዘይወሰደ ተኾይኑ ናብ ምርዳእ ብምምጻእ ክጥመቕ ምግባር።
  4. ብውሕዱ ዕድሜኡ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ዚዀነ።
  5. ካብ ካልእ ቦታ ዝመዝጸ ኣማኒ ክርስትያን ካብቲ ዝመጸሉ ማሕበር መሰነይታ ደብዳቤ ከቕርብ ትጽቢት ይግብረሉ። ድሕርዚ እንተወሓደ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ላዕለዋይ ጓሳን ሽማግለታትን ንኣባልነት ውሳኔ ምስ ኣሕለፉ ናይዛ ሓበሬታ ሰሚናር ክሳተፍ ይንገሮ።
  6. ነዛ ማሕበር ኣጋይሽ ዝኾኑ ኣመንቲ ናይዛ ቤ.ክ. ራእይ ንምንጻር፡ መጀመርታ ሓደ መዓልቲ ናይ “ሓበሬታ ግዜ/ orientation” ንኽወስድ ፍቓደኛ ምዃን።
  7. ንመሪሕ ምምሕዳርን መሰረት እምነት ናይዛ ማሕበር ኣኽቢሩ ንኽመላለስ ፍቓደኛ ዝኾነ።
  8. ድሕሪኡ ናይ ኣባልነት ቅጥዒ ይመልእ።

 ናይ ኣባል መሰል፤

 

  1. ኣብ ኩሉ ናይ ማሕበር ዝተመደበሉ መንፈሳዊ መዳባት ብእምነት ይሳተፍ።
  2. ኣብ ኩሉ ኩነታቱ፡ ጊዜ ሕጸ፡ መርዓ፡ ሕማም፡ ሓዘን፡ ድኻም፡ ከቢድ ሽግር መንፈሳዊ ጉስነትን ኣገልግሎትን ይረክብ።
  3. ከም ህያቡን ክእለቱን ብኣገልግሎቱ ምስ ተመደበ የገልግል።
  4. ሃናጺ ርእይቶ ብኣገባብ ንዝምልከቶም ኣገልገልቲ የቕርብ።
  5. ምስክር ማሕበር ይረክብ።

ናይ ኣባል ግዴታ፤

  1. ብቓልን ብግብርን ሓቀኛ ሰዓቢ ክርስቶስ ወደ መዝሙር ምዃን።
  2. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብ እሙን ምዃን።
  3. ናይ ኣገልግሎት ሓበሬታ ወይ ድማ ትምህርቲ ብምዉሳድ ብዘለዎ ዉህበት ጸጋ ምግልጋል።
  4. ማሕበር ኣብ ዘዳለወቶ መደባት ምስታፍ።
  5. ኣብ ኣገልግሎትንማሕበር እሙን ኮይኑ ምዉሳእ።
  6. ንመራሕቲ ማሕበርን ንቕዋም መማሓዳደሪ እዛ ማሕበርን ምእዛዝ።
  7. ንዕዮ ማሕበር ዝኸዉን ኣንተዋሓደ ካብ ኣታዊኡ ኩሉ ግዜ ዕሽሩ ብምሃብ እሙን ምኻን። እዚ ድማ ማሕበር ኣብ ዝእከበሉ እዋን ስምን ወርሕን መጠን ገንዘብን ተጠቒሱ ብሰታሪት ወይ ድማ ኣብ ናይ ባንኪ ሕሳብ ብምእታዉ ይኸዉን።
  8. ናይ ፍታው ገንዘብን ንዋትን ብምሃብ ሞባእ፡ በኹራት፡ ህያብ ብምሃብ ንማሕበር ምድጋፍ።

 

ምስንባት ኣባል፤

  1. ሓደ ኣባል ብፍቓዱ ካብ ኣባልነት ክሰናበት እንተ ደለየ ጉዳዩ ንላዕለዋይ ምሕደራ ብጽሑፍ ምስ ኣፍለጠ ክሰናበት ይኽእል።
  2. ሓደ ኣባል መሰረተ እምነትን ስርዓትን ምስ ዝጥሕስን ናይ ሞራል ውድቀት ምስ ዘጋጥሞን ናይ ኣመንቲ ሕብረት ምስ ዘባላሹን እቲ ጉዳይ ብሽማግለታት (ጓሶት) ተጸኒዑ ምስ ተረጋገጸ፡ ተመኺሩን ተማዒዱን ምምላስ እንተ ኣበየ ካብ ኣባልነት ይስናበት። ማቴ።18፡15-17,2ቈረ.2፡5-11
  3. ሓደ ኣባል ንሓድነትን ሰላምን ቤተክርስትያን ብምዝራግ ንማሕበር ኣምላኽ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኵነታት እንተ ፈጠረ ካብ ኣባልነቱ ይስናበት።
  4. ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ኣባልነት ንዝተሰናበተ ኣባል ማሕበር ተሓድሶ (restoration) ንኽረክብ ሽማግለታት ማሕበር ብፍቕርን ብምጽንናዕን ብምኽርን ብጸሎትን ዕዙዝ ጻዕሪ ኪገብርሉ ይግባእ። ኢሳ 35፡3 ይሁ.20-23

 

  1. መሪሕነት
  2. ምንጻር ትርጉም ሽማግለ፡ ጓሳ፡ ኤጲስቆጶስን ፤

ናይዚ ጓሳ/ፓስተር ዝበሃል ኣብ ትርጉም ዝተፈላለየ ቓላት ስዝለዝተዋህቦ እዩ። ኩላተን ትርጉማት ግና “ንሓደ ዓይነት” ዕዮ እየን ዘመልክታ። ንኣብነት፤

    • ጳውሎስ ነቶም ሽማግለታት – Elders፡ 17 – ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት – Person  ማሕበር ናብኡ ጸውዖም።
    • pastor, bishop, shephered  28 – ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ – Duty
    • ኤጲስቆጶሳት- Overseers: 28 – ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት  – Office ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።

ብሓፈሻ እቶም ሽማግለታት ነቲ መራሕቲ ክትኮኑ ዝሸመኩም ክርስቶስ ነቲ መጓሰ ክትመርሕዎን፡ ክትሕልዉዎን፡ ክትኣልይዎን፡ ክትምግብዎን እዩ ዝብል ዘሎ።

ኣብዚ ቕዋም ብዛዕባ መን ንዛረብ መታን ክንጽረልና እቲ ርእሲ ኮይኑ ዝመርሕ መራሕ – ሽማግለታት/ጓሶት  “ ላዕለዋይ ጓሳ” ዝብል ስም ክንጽዉዕ ኢና። ካልኦት ናይ ጓሳ ጽዉዓ ዘለዎም ድማ “ጓሶት” ኢልና ክንጽዉዕም ኢና። ነቶም ምስ ላዕለዋይ ጓሳ ወይ ድማ ምስ ጓሶት ኮይኖም ዝዓዪ ድማ “ሽማግለታት” ዝብል ቃል ክንጥቀም ኢና።

 

  1. ሽማግለታት

መንነቶም፡

ብሓፈሻ ሽማግለታት ንላዕለዋይ ጓሶት ማሕበርን ብምድጋፍን ብምምኻርን ጥዕና ማሕበር ብመስረት ቃል ኣምላክ ንኽሕሎ፡ መንፈሳዊ ህይወት ምእመናን ብንቕሓት ክሕሎ፡ ክጓሰን ክምራሕን ምእንቲ፡ ምስ ጓሳ ማሕበር ኮይኖም እቲ እግዚኣብሄር ነታ ማሕበር ዝሃባ ራእይ ኣብ ስራሕ ክውዕል ይሕግዙ።

ሽማግለታት ብላዕለዋይ ጓሳ ማሕበር ምስ ምሉእ ጊዜኦም ዝሃቡ ናይ ቃል ኣገልገልትን ብምትሕብባር ይሽየሙ።

ሽማግለታት ካብ 3-5 ይኾኑ፡ እዚ ቑጽሪ እዚ ከም ኣድላይነቱ ክውስኽ ይኽእል።

ብቕዓትን ክእለትን ሽማግለታት

  • ብምልኡ እቲ ኣብ ዓንቀጽ 9 ተዘርዚሩ ዘሎ።
    • ንእግዚኣብሄር ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንምግልጋልን ጾር ዘለዎ። ኤፌ 4.11
    • ናይ ጉስነት/ምምራሕ ጸጋ ዘለዎ። 1ጢም 3.1-7, ቲቶ 1.6-9, 1ጴጥ 5.1-4
    • ብመንፈሰ ቅዱስ ዝተቐበኤን ብቕዱሳን ዝተመስከረሉ ኣገልግሎት ዘለዎ። 2ጢሞ 4.1-5
    • ነቲ ሓለቓ ጓሶት ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ እሙን ዝኾነ፡ 1ጴጥ 2.25, እብ 13.20
    • ኣብቲ ኣገልግሎት ተወፋይነት ዘለዎ። ዩሃ 10.11
    • ንዝጠፍኡ ንነፍሳት ጾር ዘለዎ። ማቴ 18.12-14
    • ጥዑይ ትምህርቲ ብምሃብ ንምእመናን ዝሕብሕብን ዘዕብን። ግብ 20.28
    • ብሰረት እምነት ቤተ ክርስትያን ዝኣምን፡ መራሕ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ከኣ ዘኽብር።
    • ብኣመንትን በቶም ኣብ ወጻኢ ዘለውን ብጽቡቕ ምስክርነት ህይወት ዘለዎ። 1ጢሞ 3.1-7, 1ጴጥ 5.1-

ብሓፈሻ ህይወቶም ንጉይታ የሱስ ኣሕሊፎም ዝሃቡ፡ ሰረትን ቅዋምን ብሙሉእ ልቦም ዝኣምንሉን ዘትግብሩን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰብ ብንጽህና ዝነበሩ፡ ነቲ ማሕበር ዝቖመተሉ ዕላማ ዝኣምኑን ዝድግፉን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ተሳታፍነት ዝነበሮም፡ ብኹሉ ነገሮም ክዉፈዩን ዋጋ ንኽኸፍሉን ድልዋት ክኾኑ ይግባእ።

መዝነትን ተግባርን፤

  1. ሽማግለታት መኦኣይይቲ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን እዮም። ዕለታዊ ስርሖም ከኣ ብኣቦ ወንበርነት ላዕለዋይ ጓሳ ማሕበር የካይዱ፡
  2. ምስ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን ማሕበርን ኮይኖም ብመንፈሳዊን ምምሕዳርዊን ቁጠባዊን ጉዳያት የመሓድሩ። 1ጢሞ 5.17-18, ግብ 15.6, ግብ 20.28
  3. ከም ጓሳ ማሕበር ኮነ ካብ ካልኦት ዝቐረቡ ርእይቶታት ተዛራሪቦም ይውስኑ። ነዚ ድማ ብኣቦ ወንበርነት ላዕለዋይ ጓሳ ማሕበር ኣብ ወርሒ ሓደ ጊዜ ይእከቡ። ፍሉይ ኩነታት ምስ ዝፍጠር ግና ብመሪሕነት ላዕለዋይ ጓሳ ማሕበር ብቕልጡፍ ኣኼባ ክግበር ይከኣል።
  4. ነቲ ማሕበርን ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ማሕበረ- ሰብን ብትምህርቲ ወንጌል ንምብጻሕን ንምዕባይን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምስ ጓሳ ማሕበር ይተሓባበሩ። ብዝተዋህቦም ናይ ጸጋ ኣገልግሎት ከኣ ቃል ኣምላኽ ይሰብኩን ይምህሩን፡ ንሕሙማት ይጽልዩ፡ ንሽጉራት ይበጽሑን የጸናንዑን፡ ምኽሪ ንዘድልዮም የመኽሩ፡ ንማሕበር ኣምላኽ ብፍቕሪ ይጓስዩ።ዩሃ 21.15-17 1ጢሞ 3.2 ያእ 5.14-15
  5. ንመጓሰ ኣምላኽ ብኹሉ ነገር ናይ ጽቡቕ ህይወት ኣርኣያ ይኾኑ። 1ቁረ 5.2-3, 1ጴጥ 5.3
  6. ንመንፈሳዊን ምምሕዳራውን ጉዳያት ገንዘብ ማሕበር የንቀሳቕሱ። ምስ ላዕልዋይ ጓሳ ን ጓሶት ማሕበር ብምምኽኻር ዓመታዊ ናይ ማሕበር ባጀት የውጽኡ።
  7. ናይ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን ናይ ተንቀሳቐስቲ ናይ ቃል ኣገልገልትን ብሞያኦም ተቖጺሮም ዝዓዩን ክፍሊት ይውሰኑ።
  8. ምስ ላዕለዋይ ጓሳ ጋሶትን ማሕበር ብምትሕብባር ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ ማሕበር የዳልዉን የቕርቡን።
  9. ምስ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን ማሕበር ብምምኽኻር ዲያቖናት ይመርጹ።

ምክፍፋል መዝነት ሽማግለታት፤

 

ኣቦ መንበር ሽማግለታት፤

 

  1. ኣቦ መንበር ሽማግለታት ማሕበር ኣካቢ (ኣቦ ወንበር) ሽማግለታት እዩ።
  2. ላዕለዋይ ጓሳ ማሕበር ኣብ ዘይሃለወሉ እዋን ከኣ ሓጋዚ ጓሳ ማሕበር ከም ኣቦ ወንበር ወይ ከኣ ኣካቢ ጉባኤ ሽማግለታት ኮይኑ ይሰርሕ። ክልቲኦም ኣብ ዘይሃለውሉ እዋን እቲ ጸሓፊ ከም ኣካቢ ኮይኑ የገልግል።
  3. ጓሳ ማሕበር ገና ዘይተመረጸ እንተኾይኑ፡ ካብ መንጎ እቶም ሽማግለታት ሓደ፡ በዚ መዝነት ይገልግል። ኩሉ ኣብ ካልእ ዓንቀጻት መዝነት ጓሳ ማሕበር ተባሂሉ ንዘሎ ተኪኡ በዚ መዝነት የገልግል።

ሓፊ፤

  1. ምስ ጓሳ ማሕበር ወይ ኣካቢ ሽማግለ ኮይኑ ዛዕባታት (ኣጀንዳ) የዳሉ።
  2. ናይ ጉባኤታት ማሕበር ቃለ ጉባኤ (ወሳኔታት፡ ሓሳባት፡ ትእዛዝ) ይምዝግቡ። ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ እተመዝገበ ቃለ ጉባኤ የንብብ።
  3. ደብዳቤታት የዳሉ፡ ጸብጻብ ዕዩ የዳሉ፡ ኣብ ጉባኤ ኣባላት ማሕበር ከኣ የቕርብ።
  4. መዛግብቲ ሰነዳትን ማሕተማትን ይሕዝ።
  5. ታሪኽ ማሕበር ብዝግባእ እናተኸታተለ ይጽሕፍ።
  6. ኣብ መንበር ኣብ ኣብ ዘይሃለውሉ ጊዜ፡ ከም ኣካቢ ኮይኑ ይሰርሕ።

ሹም ሕሳብን/ ተሓዝ ገንዘብን (Treasurer)

  1. ገንዘብ ማሕበር ይሕዝ፡
  2. ላዕለዋይ ጓሳ ማሕበርን ሽማግለታትን ብዘጽደቕዎ መሰረት ገንዘብ ወጻኢ ይገብር፡
  3. ገንዘብ ወጻኢ ዝኸውን ብኽልተ ክታም ማለት ብላዕለዋይ ጓሳ ማሕበርን ሓደ ካብቶም ሽማግለታት ሓደን ክታም ምስ ዝህሉ ጥራሕ እዩ።
  4. ብመሰረት ዓመታዊ ባጀት ገንዘብ ኣብ ዝግብኦ ቦታን ኩነታትን ከምኡ’ውን ንዝግብኦ ሰብን ወጻኢ ይገብር።
  5. ምስ ናይ ማሕበር ዲያቆናት ብቐረባ ብምርኻብ ዝንቀሳቐሱን ዘይንቀሳቐሱን ንብረት ኣታውን ወጻእን ይምዝግብን ብሓላፍነት ይቆጻጸር።
  6. ናይ ኣታውን ወጻእን ቅብሊታት፡ ናይ ካፒታል ሰነዳትን፡ ናይ ሕሳብ መዛግብትን ብጥንቃቐ ይሕዝ።
  7. ብመሰረት መምርሒ ላዕለዋይ ጓሳ ማሕበር፡ ነቲ ናይ ማሕበር ገንዘብን ንብረትን ብስም ማሕበርን ኣብ ዝግባእ ቦታ ምዓሉን ብትኽክል ምትግባሩን የረጋግጽን የቕርብ።
  8. ብላዕለዋይ ጓሳ ማሕበርን ሽማግለታት ምስ ዝሕተት፡ ናይ ሕሳብ መዛግብቲ ንቑጽጽር የቕርብ።
  9. ኣብ መጨረሽታ ዓመት ኣብ ዝግበር ናይ ኣባላት ኣኼባ፡ ናይ ማሕበር ኣታውን ወጻእን ገንዘብ ብኦዲተር ምስ ተመርመረ ብመልክዕ ሪፖርት የቕርብ።

ናይ ኣገልግሎት ጊዜ፤

 

  1. ናይ ሽማግለታት ኣገልግሎት ኣብ ነፍስ ወከፍ ስለስተ ዓመተ ይግምገም።
  2. ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ንኸይፍጠርን ካልኦት ድማ ኣብ ኣገልግሎት መታን ክዋስኡ ሰለስተ ዓመት ይኸዉን።
  3. ሽማግለታት ከኣ ኣገልግሎት ዝሰናበቱሉ ምኽንያታት እዚ እዩ፤ ብዝተፈላለየ ሽግራት ኣገልግሎቱ ክቕጽል እንተዘይከኣለ፡ ብፍቓዱ ካብ ኣገልግሎት ክሰናበት እንተሓተተ ብድሕሪኡ ምስ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶት ማሕበር ንሽማግለታት ብምልዛብ ዘሰናብት። እንተዋሕደ ድማ 30 መዓልቲ ግዜ ክህብ ይግባእ።
  4. ምልኣት ጉባኤ ናይዚ ክፍሊ መሪሕነት ልዕሊ ፍርቂ ኣባላት ሽማግለታት ምስ ዝርከቡ ስርሖም ከካይዱ ይኽእሉ።
  5. ናይ መሪሕነት ሃጓፍ መታን ከይፍጠር ሓደ ካብቶም ዝመርሑ ብሓደ ዓመት ክቕድም ኣለዎ።

 

ኣሸያይማ ሽማግለታት፤

 

  1. ሽማግለታት ዝምረጹ ወይ ድማ ዝምዘዙ ብላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን ማሕበር እዮም። ኣብዚ ነገርዚ “ጓሳ ማሕበር ክመርጽን ከምርጽን ይኽእል” ምስቶም ዘለዉ ሽማግለታት ዝበሰሉ ኣገልገልትን ብምትሕብባር ንሳቶም ከም ዓይኑ ኮይኖም ብምሕጋዝን ብምምኻርን ሽማግለታት ይሓጺ
  2. ላዕለዋይ ጓሳ ማሕበር ናይቶም ዝተሓጽዩ ሽምማግለታ መንነቶን ብቕዓቶምን ብምግላጽ ንኣባላት ጉብኤ ማሕበር የፍልጥ።
  3. ብዛዕባ እቶም ሕጹያት ኣዚዩ ዘሰክፍ ወይ ንጥዕና ማሕበር ዘሰክፍ ነገራት እንተኣለዎም ብጽሑፍ ኣብ ዉሽቲ 14 መዓልቲ የፍልጡ። ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን ሽማግለታትን ድማ ነቲ ጉዳይ ኣጽኒዕም ዉሳኔ ይህቡ።
  4. ድሕሪ 30 መዓልቲ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን ማሕበር ምሻም ሽማግለታት ኣብቲ ናይ ኣባላት ጉብኤ ወግዓዉነት የልብስዎ።
  5. ንኣሰራርሓ መታን ክጥዕም፡ ካብቶም ሽማግለታት እንተገሹ፡ ዓዲ እንተቐየሩ ወይ ድማ ከዕርፉ እንተደለዩ መታን ናይ መራሕቲ ሃጓፍ ከይፍጠር፡ ሓደ ሽማግለ ንዓመት ይጸንሕ። ብድሕሪኡ ኣብ ዓመቱ ይትካእ።

ዲያቆናት

መግለጺ

እዞም ኣብ ክፍሊ ዲቁናን ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ክፍልታት ኣገልግሎት መዝነት ተቐቢሎም መንፈሳዊ ዕዩ ዘወሃህዱን ዝመርሑን ኣሕዋት፡ ብኹሉ ነገር ደገፍቲ ጓሶትን ሽማግለታትን እዮም፡ ተጸዋዕነቶም ከኣ ጉባኤ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን ሽማግለታትን እዩ።

መምዘኒ፤

ልክዕ ከምቲ 1ጢሞ.3፡8-9 ግብ.6፡3 ዘሎ ዳግም እተወልዱ፡ መንፈስን ጥበብን ዝመልኦምን እዚ ዝስዕብ ጽቡቕ ምስክር ህይወት ዘለዎም ኪኾኑ ይግባእ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ ቀጻዕ ነፍሱ፡ጹህ ሕልና ዘለዎም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኮኑ ብጽቡቕ እተመስከረሎም፡ ምስጢር ዝዕቅቡ ኪኾኑ ይግባእ።

 

ዕዮን ዝርዝርን ሓላፍነቶምን፤

 

  1. ብሞባእን ብዕሽርን ዝኣተወ ገንዘብ ይሕዙ።
  2. ንህንጻ ቤተክርስትያን የመሓድሩ።
  3. ንብረት ቤተክርስትያን ይቆጻጸሩ።
  4. ንግብረብሰናይ ዘድሊ ዘበለ ይገብሩ።
  5. ንጽጉማት ብዘድሊ ዘበለ ይድግፉ።
  6. ኣጋይሽ ይቕበሉን ንሓደስቲ ነፍሳት ይኣልዩን ናብ ዝምልከቶ ሰብ የረክቡን።
  7. ኣብ ቤተክርስትያን ዚግበር ንጥፈታት የተግብሩ።
  8. ሓደ ካብቶም ዲያቆናት ከም ናይ ዉሽጢ ኦዴር ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ዓመታዊ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ርእይቶኡ

ብጽሑፍ የቕርብን ናብ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶትን ሽማግለታትን የቕርብ።

ኣቦ መንበር ዲያቆናት

  1. ኣካቢ ጉባኤ ድያቆናት ይኸውን።
  2. ጉባኤ ድያቆናት ወኪሉ ምስ ላዕለዋይ ክፍሊ መሪሕነትን ምምሕዳርን ይራኸብ።
  3. ሞባእን ዕሽርን ህያባትን ኣኪቡ ይምዝግብን፡ ፈሪሙ ንሹም ሕሳብ ቅዳሕ ወረቐት ይህብ።
  4. እዋናዊ ጸብጻብ ፋይናንስን ንብረትን ምስሹም ሕሳብን/ ተሓዝ ገንዘብን (Treasurer) ኣብ ምድላዉ ይተሓጋገዝ።
  5. ንድያቆናት ኣብ ዝምልከት ንጥፈታት ቤተክርስትያን ምስ ቦርድ ብምስምማዕ ሰባት የመዝዝን ናብ ዕዮ የዋፍርን

ኣገባብ ኣመራርጻ፤

  1. ብጉባኤ ላዕለዋይ ጓሳን ጓሶት ማሕበርን ሽማግለታትን ይምረጹ። ጓሳ ማሕበርን ሽማግለታትን ካብ ቡሱላት ምእመናን ይኹን ወይስ ካብቶም ኣብተን ክፍልታት ዝርከቡ ኣገልገልቲ ምኽሪ ምስ ዘደልዩ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም
  2. ናይ ኣገልግሎት ጊዜ፡ ንሰለስተ ዓመት የገልግሉ፡ ጽቡቕ ዘገልገሉ ናብ ዝለዓለ ማዕረግ/ሓላፍነት ይሽየሙ። ደጋጊሞም ክምረጹ ከኣ ይኽእሉ እዮም።

 

 

 

  1. ሰረት እምነት፤

 

  • ሱሳን ሹድሽተን መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ቡሉይ ኪዳንን ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈስ እ.ሄር ዝነፈሶ ናይ እ.ሄር ቃል ወላሓንቲ ጌጋ ወይ ስሕተት ዘይብሉ፡ እምነትን ተግባርን ዘመልክት፡ ስልጣንን ዘለዎ መጽሓፍ ምኻኑ ንኣምን።
  • ብእ.ሄር ኣብ፡ ብእ.ሄር ወልድ፡ ብእ.ሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓደ ኣምላኽ ንኣምን።
  • ብስነ ፍጥረት፡ ፍጥረት ብምሕላውን መጨረሻ ፍርዲ እ.ሄርን፡ ፍጹም ስልጣንን ጎይትነትን ንኣምን።
  • ጎይታናን መድሕኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱ፡ ፍጹም ሰብ፡ ፍጹም ኣምላኽ ምኻኑ፡ ምእንቲ ደቂ ሰብ ኣብ መስቀል ሙማቱ፡ ምቕባሩ፡ ኣብ ሳልሳይቲ መዓልቲ ካብ ሞት ምትንሳኡ፡ ምዕራጉ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኮይኑ ምእንታና ከምዘማልድ፡ ከምኡውን ካብ ኣብ ህያዋንን ሙዉታትንን ክፈርድ ብኽብርን ብግርማን ከም ዝምለስ ንኣምን።
  • ሰብ ብኣምሳል እ.ሄር ምፍጣሩ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ሰብ መንፈስ ምኻኑ፡ ነፍሲ ዘለዎ መሕደሪኡ ድማ ስጋ ኮይኑ፡ ንምድሪ ክገዝኣን ክመልካን፡ ንኽብሪ እ.ሄር ከም ዝተፈጠረ፡ እንተኾነ ግና ብሓጢኣት ምኽንያት ገበነኛ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ቁጥዓ ኣምላኽ ከምዝወደቐ ንኣምን።
  • ካብ ዕዳ ሓጢኣት፡ ካብ ሓይሊ ሓጢኣት ሰብ ክድሕን ዝኽእል በቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ወዲ እ.ሄር፡ ኣብ ክንዲ ሰብ ኮይኑ ዝፈጸሞ ኮዩኑ፡ ሓጢኣተኛ ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ብምእማን ጥራሕ ከም ዝጸድቕ ንኣምን።
  • ሓጢኣተኛ ብሓጢኣቱ ተኣሚኑ ንስሓ ክኣቱ፡ ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ ዳግም ክውለድን፡ ሓድሽ ፍጥረት ክኸውን መንፈስቅዱስ ኣብ ህይወቱ ከም ዝሰርሕ ንኣምን።
  • መንፈስቅዱስ ኣብ ዉሽጢ ኣማኒ ከም ዝነብር ንኣምን። ኣማኒ ብመንፈስቅዱስ ክጥመቕ ከሎ ሓይሊ ከም ዝቕበል፡ ብልሳን ከም ዝዛረብ፡ ኣብ ገግዚኡውን መንፈስ ቅዱስ ከም ዝምላእ ንኣምን።
  • ሎሚውን እ.ሄር ብመንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ውህበታት ከም ዝዕድል ብምሉእ ሓይልን ስልጣንን ተኣምራት ብምንባር፡ ሕሙማት ብምፍዋስ፡ ኣጋንንቲ ብምዉጻእ፡ ካልኦት ኣገልግሎታትን ብምግባር፡ ንኽብሪ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ፡ ንምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንምህናጽ ቤተ ክርስታያን ከም ዝሰርሕ ንኣምን። ከምኡውን ናይ ክርስቶስ ስቅያት ንዝሓመመ ስጋና ፈውሲ ፍቓድ ኣምላኽ ምኻኑ ንኣምን።
  • ናይ ክርስቶስ ኣካል ዝኾነት፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ካልኣይ ዝተወልዱ ዝርከብዋ ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንኣምን።
  • ሓጢኣተኛ ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ ንስሓ ምስ ኣተወ፡ ንሓጢኣት ሞይቱ ንጽድቂ ከምዝተንስአ ንምግላጽ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስቅዱስን ስም ኣብ ማይ ብምጥላቕ ከምዝጥመቕ፡ ከምኡውን ጎይታ የሱስ ክሳዕ ዝመጽእ ሞቱን ስቃያቱን ንምንጋር ምስ ኣመንቲ ዘለዎ ሕብረት ንምግላጽ ድራር ጎይታ ከም ዝካፈል ንኣምን።
  • ብምዉታን ትንሳኤ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢተኛታት ዝመጽእ ናይ ዘልኣለም ፍርድን ኣመንቲ ብዝወርስዎ ናይ ዘልኣለም ህይወት ንኣምን።
  • ወንጌል መንስግቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ንናይ ቤ.ክ. ዕዮታት መሳለጢ ዝኸዉን ብምሃብ ዕሽርን መባእን ቦኽሪ ህያባትን ካልእ ቃል ኣምላኻዊ ምዃኑን ግቡእ ኣባል ቤ.ክ. ምዃኑ ንኣምን።
  • ኣማኒ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ መለኮታዊ ጻዊዒት ኣለዎ። ገሊኡ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ምምሕዳራዊ ሃገር፡ ኣብ ንግዲ ዓለምን ኣብ ኵሉ ናይ ህይወት መዳያት ቃል ኣምላኽ ዝድግፎ ነገራት ክሳተፍ ከም ዘለዎ ንኣምን። ኣማኒ ሚዛን ዘለዎ ህይወት ብኹሉ ድማ ጸብለል ኢሉ ክረከብ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን።